መጠንቀቕታ ነቶም ጥቓ ጆርጅታውን ክሳብ ሳውዝ ፓርክ ናይ ደሕንነት ፕሮጀክት ዝርከቡ ሰብ ንብረት ዝኾኑ ነጋዶታት፥ ብኽብረትኩም ነቶም ብሰንኪ ህንጸት ዘጋጥሙ ጽልዋታት ብዝተኽኣለ መጠን ክቕንሱ ንምግባር ነቶም ዝህልዉ እዋናዊ ሓበሬታታት ክንሕብረኩምን ሓቢርናኩም ክንሰርሕን ምእንታን ነዚ ቅጥዒ እዚ ምልኡዎ። ኩሎም ሕቶታት ብኣማራጺነት/ወለንታ ዝቐረቡ እዮም። የቐንየልና!
ካብ ጆርጅታውን ክሳብ ሳውዝ ፓርክ ዝዝርጋሕ ናይ ድሕንነት ፕሮጀክት፣ ክሳብ ፎል 2024 ስርሓቲ ህንፀቱ ተጀሚሩ ክሳብ መጀመሪያታት ክረምቲ (summer) 2025 ክዛዘም እዩ።ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ነዚ ናይ መርበብ ሓበሬታና ተወከስ :
seattle.gov/transportation/GeorgetownToSouthPark. እንተደአ ሕቶታት አለዉኻ ኮይኖም ናብ
GTtoSP@seattle.gov ኢሜይል ግበር ወይ ብ
(206) 900-8734 ተጠቒምካ ደውለልና።
መግለጺ ብሕታውነት: ነቶም እትህቡዎም መልስታት ብመሰረት ሕጊ ምስ ካልኦት ሰባት ምክፋል ከድሊ ይኽእል እዩ። ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፣ ብኽብረትኩም ንኣዋጅ ህዝባዊ መዝገባት (Public Records Act) (RCW Chapter 42.56) ተወከሱ። እቲ ናይ'ዛ ኸተማ መግለጺ ብሕታውነት ነቲ ካባኹም እንረኽቦ ሓበሬታ ብኸመይ ከም እንሕዞ ዝገልጽ እዩ።