To select your language, please click the globe icon in the upper right corner.
请点击右上角的地球图标选择语言。
Si aad u dooratid luuqadaada, fadlan riix sumada wareega ah (globe) ee ku taal geeska sare ee midig.
Para realizar la encuesta en español, haga clic en el botón con el símbolo del mundo en la parte superior de la pantalla a la derecha.
ነዚ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ብቋንቋኻ ንምውሳድ፡ ነታ ኣብ ላዕለዋይ የማናይ ሸነኽ ናይ'ዚ ገጽ ዘላ ምልክት ሉል ዓለም ቁልፊ ጠውቕ።
Để chọn ngôn ngữ của quý vị, vui lòng nhấp vào biểu tượng quả địa cầu ở góc trên bên phải.
ሓሳብኩም ስለዘካፈልኩምና የቐንየልና።
ቁሸት Graham ካብ ብዙሕ ባህልታትን ቋንቋታትን ንዝመፁ ሰባት ገዝኦም እዩ። ሓደ ሓደ ስድራ ቤታት ንወለዶታት ኣብዚ ቦታ’ዚ ዝነበሩ እንትኾኑ፣ ገሊኦም ከዓ ኣብ ቐረባ ግዜ ናብዚ ዝመፁ እዮም። ሰባት ኣብዚ ንምንባር፣ ንምስራሕ፣ ንክምሃሩ፣ ንምምላኽ፣ ከምኡ’ዉን ብሓባር ግዜ ንምሕላፍ ናብ'ዚ ይመፁ።
ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ይኸውን፣ ኣባላት ናይ'ቲ ማሕበረሰብ፣ እቲ ቀሊል ባቡር ናብ Graham ምስ መፀ እቲ ከባቢ ብኸመይ ክዓቢ ኣለዎ ዝብል ራእዮም ኣካፊሎምና።
እቲ ክፍሊ መጓዓዝያ ሲያትል (SDOT) ምስቲ ሕብረተሰብ ኮይኑ ኣብ ጥቓ መፃኢ ጣቢያ ቀሊል ባቡር ኣብ MLK Jr Way S ከምኡ’ዉን ጣቢያ S Graham ናይ መጓዓዝያ ምምሕያሻት ንምውጣን ይሰርሕ ኣሎ።
ትኩረት ናይ'ዚ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ
ኣብ እዋን ሓጋይ 2025፣ ነቶም ሕብረተሰብ ብዛዕባ ድሌታት መጓዓዝያ ሓቲትናዮም ኔርና። ኣብዚ ርእይቶ እዚ ተመርኲስና፣ ኣብ ከባቢ ጣቢያ ጎደና Graham ከምኡ'ውን Rainier Valley ብዙሓት ናይ መጀመርታ ሓሳባት ፕሮጀክትታት ኣማዕቢልና ኢና። እዞም ፕሮጀክትታት እዚኦም ሰባት ናብቲ ናይ መፃኢ ጣቢያ ቀሊል ባቡር ንኽበፅሑ ንምሕጋዝን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ርክባት ንምምሕያሽን ዝዓለሙ እዮም። ርእይቶኦም እንታይ ፅቡቕ ይሰርሕ ከምዘሎ፣ እንታይ ክጎድል ከም ዝኽእል፣ ከምኡ’ውን ኣብ መፃኢ ዝግበሩ ወፍሪታት ኣበይ ከነተኩር ከም ዘለና ንኽንርዳእ ክሕግዘና እዩ።
በይዝኦም ነቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ናይ ፕሮጀክት ሓሳባት ይገምግሙ ከምኡ’ዉን ርእይቶኦም ድማ የካፍሉ።
እቶም ዝትህብዎ መልስታት ብመሰረት ሕጊ ምስ ካልኦት ሰባት ክካፈሉ ይኽእሉ እዮም። ብዝበለፀ ንምፍላጥ፣ በይዘኦም ህዝባዊ መዛግብቲ ሕጊ (RCW ምዕራፍ 42.56) ይርአዩ። እቲ ናይ ከተማ መግለፂ ብሕቲ ነቲ ትህቡና ሓበሬታ ብኸመይ ከም እንሕዞ ይገልፅ።
